ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት 'ተፋጢጦም' ከም ዘለዉ ንዘመልክት ሓበሬታ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ነጺጉዎ (ጸብጻባት ልኡኽና)
11 min
ጸብጻባት ዜና ልኡኽና (19 ሕዳር 2026) * ኣብ ከባቢ ባድመ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሑዱ 4 ሰባት ከም ዝተጎድኡ ተገሊፁ፡ * ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ምኽባር ሰላም : ምስፋሕ ዴሞክራስን ዳግመ ህንፀትን ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ: * ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ሰዓታት እቶ-እቶን ጽኑዕ ቀይዲ ምንቅስቓስን ተነቢሩ፡ * ኤርትራ ሕማም ትራኮማ ካብ ሱሩ ናይ ምጥፋእ ዓወት ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪቃ መበል 11፡ ካብ ዓለም ድማ መበል 34 ሃገር ኮይና፡ #sbsaudiopodcast